ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ፡ ስልጠና ስፖርት ማሳጅ ንምሕያል ብቅዓት ደቂኣንስትዮ ኣካይዱ

ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ምሕያል ብቅዓት ደቂኣንስትዮ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ብክልሰሓሳብን ግብራውን ዝተሰነየ ስልጠና ስፖርት ማሳጅ ኣካይዱ። እዚ ንዓሰርተ ሾመንተ መዓልታት ዝተኻየደ ስልጠና ካብ ቤትጽሕፈት ሃገራዊ ኦሎምፒክን 8 ሃገራውያን ፈደረሽናት ዝተወከላ ኣባላት ኣብ መባእታ ትምህርቲ ቀዳማይ ረዲኤት፡ዓይነታትን ትግባረ ማሳጅ፡መድረኻት ኣፈዋውሳን መጉዳእታት፡ ፊዝዮተራፕን ካልእ ተዛማዲ ኣርእስታት ብምኩር ፊዝዮተራፒስት ኣቶ ሳልማን ሓምደ ተኻይዱ።

ብዕለት 18 ሕዳር 2025 ዝተኻየደ ናይ ሰርቲፊከት ምዕዳል ስነስርዓት ሓላፊት ምክትታል ደቂኣንስትዮ ኣብቲ ኮሚተ ወ/ሮ ሚልካ ተስፋልደት ተመሳሳሊ ስልጠናታት ቅድሚ ሕጂ እውን ተዋሂቡ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር እዚ ስልጠና እዚ ኣብ ፈደረሽናትና ንዘጋጥም ሕጽረት ክኢላታት ብፍላይ ድማ ኣብ ተማሳሳሊ ጾታ- ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉን ኣብ መጻኢ እነካይዶ ስልጠናታት ድማ ባይታ ነንጽፈሉ ምኳኑ ሓቢራ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ፈጸምቲ ኣካላት ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ፡ ሃገራውያን ፈደረሽናት፥ ከምኡ እውን ግዱሳት ኣባላት ማሕበረ ስፖርት ተረኺቦም ነይሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *