I. ታሪኽ ኣጀማምር ሰደቓ ቴንስ ኣብ ኤርትራ

ብሜጀር ብርሃነ ኢሳቕ
ፕረዚደንት ሃ/ፈ/ቴ/ሰደቓ
ቴንስ ሰደቓ ኣብ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 1950ታት ብኢጣልያውያን ነበርቲ ኣስመራ ከምእተኣታተወ ይትረኽ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ መብዛሕትኦም ተጻወትቲ ኢጣልያውያን ኔሮም። እንተኾነ ኣብ መጀመርታ 1960ታት ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ዓውዲ ስፖርት ብብዝሒ ክጽንበሩዎ ጀሚሮም። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምስ ኢጣልያውያን ኣብ ውድድር ኣትግዮም ክጻወቱን ብቑዕ ምውድዳር ከርእዩን ጀሚሮም። በዚ ድማ ቴንስ ሰደቓ ኣብ ኤርትራ ኣብ 60ታት፣ 70ታትን 80ታትን ውሩይን ፍቱውን ጸወታ እናኾነ መጺኡ። ውድድራት ኣብ መንጎ ክለባትን ናይ መንግስት ትካላትን ክውደብ ምስ ጀመረ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣዘናጋዒ ስፖርት ውሽጢ ገዛ ክኸውን በቒዑ።
ምስ ምምጻእ ናጽነት’ውን እንተኾነ ቴንስ ሰደቓ ብዝነበሮ ናህሪ ቀጺሉ ነይሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእከል – ኣስመራ ናይ ቐደም ተጻወትቲ ነበር ከም ኣሰልጠንቲ ኮይኖም ንነኣሽቱ ህጻናት (ግራስሩት) መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዝተፈላለያ ምምሕዳራትን ብብዝሒ ከሰልጥኑ ጀሚሮም። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ግራስሩት እተሓቑፉ ህጻናት ምስ ጎበዙ ብደረጃ ክለብን ብውልቅን ተወዲቦም ዝቐሰምዎ ቴክኒካዊ ትምህርቲ ብግብሪ ክትርጉምዎ ተራእዮም እዮም። ኣብ ዞባታትን ኣብያተ ትምህርትን ክለባትን’ውን ብፍላይ መምህራን ንጸወታ ቴንስ ሰደቓ የዘውትሩዎ ነይሮም እዮም።
ሃገራዊ ፈደረሽን ተንስ ሰደቓ ኤርትራ ብ28 ግንቦት 2016 ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ 4 ደቀንስትዮ፣ 5 ደቂ ተባዕትዮ ብድምር 9 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ሓቚፉ ንስራሕ ተበጊሱ። ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ድማ ፈጻሚት ሽማግለ ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤ ብደረጃ ዓለምን ኣፍሪቓን ከምኡ ድማ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣባል ማሕበር ንምዃን ሕቶ ቀሪቡ። ብኡ መሰረት ሃገራዊ ፈደረሽን ቴንስ ሰደቓ ምስ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ቴንስ ሰደቓን ምስ ናይ ኣፍሪቃ ማሕበርን ብምርድዳእ ብ31 ግንቦት 2017 ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ዱሰልዶርፍ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ብወግዒ ኣባል ኮይኑ ተጸንቢሩ። ብዘይካዚ ኤርትራ ኣብ ጥቅምቲ 2016 ድማ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ማሕበር ፈደረሽን ቴንስ ሰደቓ ኣብ ሞሮኮ፡ ከተማ ኣጋዲር ብወግዒ ኣባል ኮይና።
ዕለት 28 ግንቦት 2016 ንመጀመርያ ጊዜ ዝተመርጹ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ

ብዓለምለኻዊ ሰደቓ ቴንስ ፈደረሽንን ብሃገራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ኤርትራ ዝተወደብ ስልጠና ካብ ዕለት 28 ግንቦት ክሳብ ሰነ 2/2016 ኣብ ኣስመራ ተዋሂቡ። ኣብ’ዚ ስልጠና ካብ 6 ዞባታት፣ ሚ/ትምህርቲ፣ ሚ/ምክልኻል፣ ልዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተዋጽኡ 9 ደ/ኣን፣ 17 ደ/ተባ ብድምሩ 26 ሰልጠንቲ ተሳቲፎም። እዚ ስልጠና ብዓለምለኻዊ ኣሰልጣናይ ኣውስትራልያዊ ሚስተር ሚካኤል ብሮውን ዓለምለኻዊ ቕጥኢ ዘማለዐ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ኩሎም ስልጠንቲ ድማ ትምህርቶም ብጉቡዕ ዛዚሞም።


ንመጀመርይ ጊዜ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኣብ ኣሰመራ እንዳትወሃበ ከሎ


ብናይ ቱኒዚያ ኣሰልጠንቲ ስልጠና እንዳትወሃበ ክሎ
ፈጻሚት ሽማግለ ሃገራዊ ፈደርሽን ሰደቓ ቴንስ ን ITTFን ንኣሰልጣናይ ሚስተር ሚካኤል ብሮውን ምስ ዓለም ንክንጽበርን ስለ ዝጸዓረልናን ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ከይተሓለለ ስለዘምሃረ ናይ ምስጋና ደብዳቤ ተዋሂቡ። ሃገራዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ ኤርትራ ምስ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስን ምስ ኣፍሪቓን ብዕለት 31 ግንቦት 2017 ኣብ ጀርመን ከተማ ዱሰልዶርፍ ዝተገብረ ጉባኤ ብወግዒ ኣባል ኮይና ተጸንቢራ። ኣብ ጥቕምቲ 2016 ናይ ምብርቕ ኣፍሪቓ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ ኣብ ሞሮኮ ከተማ ኣጋዲር ብወግዒ ቖይሙ ኤርትራ ድማ ኣባል ኮይና። ሃ/ፈ/ሰ/ተ/ኤ ካብ ዝወጠኖ መደብ ኣብ 2024 ንዝግበር ውድድር ኦሎምፒክ ክሳተፉ ዝኽእሉ ሰባት ንምፍራይ ኣብ 6 ዞባታት ንዝርከቡ ኣሰልጠንቲ ናይ ግራስሩት ስልጠና ንክህቡ ኣድላይ ሓገዝ ናይ ራኬትን ኳዓሳሱን ሂቡ። ስልጠና ንዝወሰዱ ግራስሩት ተጻወቲ ድማ ኣብ ሞንጎ 6 ዞባታት ውድድር ሰሪዑ፣ ንተዓወቲ ድማ ሃገሮም ወኪሎም ናይ ትሕቲ 15 ዓመት ውድድር ምብራቕ ኣፍሪቓ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ተወዳዲሮም ከምውጽኢት ድማ ብደቒ/ተባ ናይ ነሓስ መዳልያ ክንረክብ ከልና ብደቒ/ኣን ናይ 5 ደረጃ ኮዮኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
II. ሃገራዊ ፈደረሽን ካብ ዝቀውም ንጥፈታታ ንምጥቓስ፥-
* 2016, 2017, 2018,2019 ሃገራዊ ውድድር ኣብ መንጎ 6 ዞባታትን፣ ሚ/ምክልኻልን፣ ሚ/ትምህርትን፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ናይ ሽምፒዮንን ፣ ናይ መዓልቲ ናጽነት ብክልቲኡ ጾታ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ውድድር ኣካይዳ።



* ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ድማ ብተመሳሳሊ ብናይ ኦሎምፒክ ሶሊዳሪቲን፣ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስን፣ ሃገራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ኤርትራ 2 ጊዜ ተዋሂቡ።
* ናይ ግራስ ሩት ስልጠናን ናይ ስንኩላን ስልጠናን ተዋሂቡ።
* ናይ ምሕደራ ትምህርትን ናይ ደቐንስትዮ ዝምልከት ትምህርትን ብሃገራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ተዋሂቡ።
* ናይ ዳንነት ፈተና ብቐጥታ ብኢንተርነት(Online internet exam)ሓሙሽተ ደያኑ ፈተና ተዋሂቡ።
* ዝተፈላለይ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ኣባላትና ንክወዳደሩ ዕድል ተዋሂቡ፣
III. ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተገብረ ውድድርን ስልጠናን ዝምልከት
* ካብ ዕለት 03 – 09 መስከረም 2018 ብ ናይ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ(ITTF) ዝተዳለወ ውድድር ናይ ኣፍሪቃ ሰደቓ ቴንስ ሻምፕዮንሺፕ ኣብ ሃገረ ማውሪሽየስ ከተማ ፖርት ሉዊስ ኤርትራ 2 ኣወዳት ተወዳደርቲ ፣ ከም ውጽኢት ድማ ኣብ ተሞክሮ ቐሲምናን ብዙሕ ስራሕ ከምዝጽበየና ገምጊምና፣ ብተወሳኺ ንብዙሓት ተጻወትና ናይ ሞራል ዕጋበት ረኺቦም።



ኤፍረም ተኽለ ን ዩኤል ሚካኤል ኣብ ሃገረ ሞሪሸስ ዝተገብረ ወድድር ተሳቲፎም
* ካብ ዕለት 30 ሕዳር – 02 ታሕሳስ 2018 ብ ITTF ን ATTF ዝዳለዉ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሻምፕዮን ውድድር ሰደቓ ቴንስ ትሕተ ዕድመ ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ፣ ሓደ ውድን ሓንት ጓል/ኣን ኣሳቲፍና። ከምውጽኢት ድማ ብደቐንስትዮ ቐዳሞት ኮይና ብደቒ/ተባ ካልዓይ ደረጃ ሒዝና ከም ኡውን ኣብዚ ብሕውስዋስ ጽምዲ(ጓልን ወዲ) ሻምፒዮን ኮይና ተዓዊትና። ከምኡውን ናይ ዳኛን( Umpires & Referees) ናይ ውድድር ኣወዳድባን (Tournament Organization Course) ንኣሰለጣናይ መም/ስምኦን የማነ (ሓ/ውድድርን ስነስርዓትን ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤ) ተዋሂቡ።



ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ዝተሳተፉ ሳራ መንግስተኣብን ዩኤል ሚካኤልን
* ካብ ዕለት 07 ሚያዝያ – 13 ሚያዝያ 2019 ብ ITTF ን ATTF ዝዳለዉ ናይ ኣፍሪቃ ሻምፕዮን ውድድር ሰደቓ ቴንስ ትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ሃገረ ጋና ከተማ ኣክራ ሓደ ወዲ ኣሳቲፍና። ከምኡውን ሓደ ኣሰልጣናይ ካብ ኣባል ፈደሬሽን ሓላፊ ዳንነት ኢንጂነር ኣሕመዲን መሓመድሓጎስ ናይ ውድድር ኣወዳድባ ትምህርቲ ተሳቲፉ ።
* ካብ ዕለት 21 ነሓሰ – 29 ነሓሰ 2019 ብ ሓድነት ኣፍሪቓ(AU) ን ANOCA ኣብ ሞሮኮ ዝዳለዉ ናይ All African Game ውድድር ሰደቓ ቴንስ ብደ/ተባ ናይ ጋንታ፣ ጽምዲ፣ ሚክስድ(ወድን ጓልን) ንጽልን 3 ኣወዳት ከምኡውን በደ/ኣንስትዮ ናይ ጽምዲ፣ ሚክስድ(ወድን ጓልን)፣ ብንጽልን 2 ኣዋልድ ብተወሳኺ ሓደ ኣሰልጣናይ ብድምር 6 ኣባላት ተሳቲፍና ። ከምውጽኢት ድማ ምስ ኣዝዮም ተወዳደርቲ ዝኾኑ ገጢሞም ኣብ ደረጃ ክንሓልፍ ኣይከኣልናን።
* ካብ ዕለት 27 ሕዳር – 30 ሕዳር 2019 ብ ናይ ITTF – ATTF ናይ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቓ ጥራይ ዝሳተፍዎ ቻምፒዮን 2019 ካምፓላ ኡጋንዳ ከምኡውን መጻረይ ውድድር ኦሎምፒክ 2020 ቶክዮ ናይ ንጽል ውድድር ሰደቓ ቴንስ ብደቂ/ኣንስትዮ ሓንቲ ተወዳዳሪት ሓንቲ ድማ ጠርናፊት ብድምሩ 2 ሰባት ኣሳቲፍና፣ ከምውጽዋኢት ድማ ጸዋታ ምስ ጀመረት ናይ ኢድ መግመይቲ ኣጋጢሙዋ ከይተወዳደረት ውድድር ተዛዚሙ።
* ካብ ዕለት 11 መጋቢት – 18 መጋቢት 2020 ኣብ ኣዲስ ኣባባ (ኢትዮፕያ) ብ ዓለምለኻዊ ን ኣፍሪቓን ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ (ITTF-ATTF) ዝተወደበ ናይ ትሕቲ 15 ን 12 ዓመት ተጻወቲ፣ ን ኣባላት ምብራቕ ኣፍሪቓ 14 ሃገራት ዝምልከት ናይ 5 መዓልቲ ናይ ሓባር ስልጠናን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝግበር ውድድር፣ ከምኡውን ን2 ኣሰልጠንቲ ወድን ጓልን ናይ ኣሰልጠንቲ ትምህርቲ ተሳቲፍና። ከም ውጽኢት ድማ ብደቒ ተባዕትዮ መበል 3 ክንወጽእ ከለና በደቒ ኣንስትዮ ድማ 5 ኮይና ውድድር ተዛዚሙ።



ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፉ ተወዳደርትን ስለጠንትን
IV. ዝተግብረ ኣኼባታት
* ኣብ 2020 ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ ዝተገብረ ኣኼባታት ተሳቲፍና * ብናይ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴንስ ዝተገብረ ጉባዔ ብዕለት 23,24,27 ን 28 መስከረም 2020 ተሳቲፍና። ንዝገበርናይ ርእይቶን ተሳታፍነትን ድማ ናይ ምስጋና ወረቕት ረኺብና፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ቝዋም ምምሕያሽ ተጌሩሉ፣ ብተወሳኺ ኣብ 2023 ውድድር ዝግበረሉ ቦታ መን ተዓወት ድምጺ ምርጫ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣፍሪቓን ከተማ (ዱርባን) ን ሃገረ ጀርመን (ዱሰልዶፍ) ተጌሩ ። ከም ውጽዒት ድማ ደቡብ ኣፍሪቓ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዋቲት ኮይና።

ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ ጉባዔ ሰነ 2020 ጉባኤ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሰደቓ ቴኒስ 28/10/20 ፕረሲደንት ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤርትራ
ዓወት ን’ሓፋሽ!
ሚጀር ብርሃነ ኢሳቕ
ፕረሲደንት ሃ/ፈ/ሰ/ቴ/ኤ
 
	