ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ
ሓጺር ድሕረ-ባይታ
ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 2017 ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኣብ ዝተወደበ መስራቲ ኣኼባ ቆይሙ። ኣብ’ዚ ሓጺር ናይ ስለስተ ዓመት ግዜያት ኣብ ወሽጢ ሃገርን ወጻእን ውድድራት ብምክያድ፡ ኣፈናዊ ኩነታት ምሕምባስ ኣብ ኤርትራ ንምድህሳስ ተፈቲኑ።
ብፍላይ እቲ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ሃገራት ደቡብ ኮርያን ሞሮኮን ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድራት ምሕንባስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝነብሩ ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ዘተስፉ፡ ግና ከኣ ንዝያዳ ስራሕ ዝዕድም ውጽኢት ተረኺብዎ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ኤርትራ ኣባል ዓለማዊ ፈደረሽን ምሕንባስ ማለት (FINA) ኮይኑ፡ ገለ ካብቲ ብዕቱብነት ሒዝዎ ዘሎ መደባት ውድድራት ምሕንባስ ሃገርና ካብ’ዚ ዘሎዎ ደረጃ ክብ ከብልን ንዘሎ ዕቑር ዓቕምታት ጎርጒርካን ናይ ውሽጢ ሃገር ውድድራት ኣዕቢኻን ኣብ ዞባናን ኣህጉርናን ኣብ ዝካየድ ውድድራት ምስታፍን ሃገር እትጠልቦ ውጽኢት ምምዝጋብን እዩ።
 
	