Cycling

ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ እዚኣብ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 75 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ዓውዲ ካብ 1936 ጀሚሩ ስሩዕ ቅድድማት የካይድ ምንባሩ ናይቲ እዋን መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን ኤርትራውያን ደቀባት ተቐዳደምቲ ማዕረ ኢጣልያውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ውድድራት ማዕረ ክወዳደሩ ይፍቀደሎም ኣይነበረን። እዚ ኣፈላልይ’ዚ ዝፈጠሮ ባህጊ ምውድዳር ድማ ደቀባት ተቐዳደምቲ ኣብ ኮረሻ ብሽክለታ ደይቦም ወኖም ዘውጽእሉ ባይታ ክፍጠር ሃረር ይብሉ ምንባሮም ይንገር።
እዚ ልዑል ባህጊ ዘበገሶ ድማ ኣብ መጀመርያ 1940ታት ደቀባት ተቐዳደምቲ ንሓድሕዶም ብምውድዳብ ባዕሎም ንባዕሎም ዝውንንዋ ጋንታ ዝምስርቱሉ ባይታ ፈጠሩ። ነታ ዝመስረትዋ ጋንታ ድማ ጋንታ ኣፍሪቃ ክብሉ ሰየምዋ። እዛ ጋንታ ከም ጸጋይ ስባህቱ፡ ገብረትንሳኤ መሓሪ፡ ፍሰሓጽዮን ገብረየሱስ፡ በየነ ስምኦንን የማነ ነጋስን ዝኣመሰሉ ተቐዳደምቲ በብእዋኑ ዝተቐዳደሙላ ጋንታ ነበረት። እዞም ቀዳሞት ደቀባት ተቐዳደምቲ ግን ንምንታይ እዮም ነዛ ጋንታ ጋንታ ኣፍሪቃ ክብሉ ሰይሞማ?
ቅድም ኢሉ ከምዝተጠቕሰ ኣብ 1930ታት ውድድር ቅድድም ብሽክለታ እንተስ ንመዘናግዒ እንተስ ንውድድር ንኢጣሊያውያን ገዛእቲ ጥራይ እዩ ዝተሓዝአ ነይሩ። ኤርትራውያን ደቀባት ድማ ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ኮረሻ ተወጢሖም ክወዳደሩ ዓቕምን ድሌትን እናሃለዎም ኢጣሊያውያን ብዘይምዃኖም ጥራይ ባህጎም ክሰምር ኣይከኣለን። ካብዚ ዝነቐለ እዮም እምበኣር ኤርትራውያን ደቀባት ነታ ዝመስረትዋ ጋንታ፡ ብኤውሮጳውያን ገዛእቲ ዕቑር ሃብታ ትምዝመዝ ንዝነበረት ኣህጉር ኣፍሪቃ ንምውካል ‘ጋንታ ኣፍሪቃ’ ክብሉ ንፋልመይቲ ጋንትኦም ስም ዘጠመቕዋ። ኣብቲ እዋን’ቲ ነታ ዝመስረትዋ ጋንታ እቲ ስም ክህብዋ ምምራጾም ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክትርእዮ እንከለኻ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲንመድረኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮም ክትዕዘብ ከለኻ፡ ደቀባት ኣኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ክውንነት’ዚ ዝተኣማመኑሉ መሲሉ ይረኣየካ። እቲ ምንታይ ፋልመይቲ ናይ ኤርትራውያን ደቀባት ጋንታ ኣፍሪቃ እንተድኣ ኢልና፡ ናይ ሎሚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ከኣ ሓበን ኣህጉር ኣፍሪቃ ኢልና ክንድምድም ስለእንኽእል።
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ክግለጽ ዝተፈተነ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድሕሪ ምምስራት እዛ ፋልማይቲ ጋንታ ነቲ ዓውዲ ካብ ወልዶ ንወለዶ ብምቅብባል ኣብ ካብ 60ታት ክሳብ ድሮ ናጽነት በብመድርኹ ሓያላት ተወዳደርቲ ብምፍራይ ኣብ እዋኑ ክሳብ ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክ ከይተረፈ ሱታፌኦም ብምርግጋጽ ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮ ዓወታት ከመዝግቡ ክኢሎም እዮም። ድሕሪ መላእ ሓርነት ኤርትራ ድማ እቲ ዓውዲ ብዝተፈጥረሉ ጥጡሕ ባይታ ምዕባለ ብድሌትን ወንን ኣፍቀርቱ ማሚቑ ጎሊሑ ክርአ ስም ሃገር ከጸውዕን ጊዜ ኣይወሰደሉን። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ እቲ ኣብ ዓመተ 2001 ዝፈለመን በብመድርኹ ሓሊፉ ኣብ 2009 ኣህጉራዊ መለክዒ ብምምላእ ነዚ ሕጂ ዘሎ ደረጃ ምዕባለ ባብ ዝፈጠረን ውድድር ዙር ኤርትራን ኣበርክቶኡ ኣብ ሓፈሻዊ ዕቤት ቅድድም ብሽክለታ ሃገርናን ቅድሚት ዝስራዕ ፍጻሜ ይገብሮ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ 1991 ንደሓር ኣብ ከም ሱዳን፡ ኢማራትን ኢጣልያን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ውድድራት ንምዕባለ ቅድድም ብሽክለታ ዝድርኽ ውጽኢት ከመዝግቡ ብምኽኣሎም ኤርትራ ኣብ 1995 ኣብ ዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ኣባልነት ክትረክብ ርእሱ ዝኸኣለ ተራ ምጽዋቱ ይእመን። ዕቑር ዓቕምን ብቕዓትን ተቐዳደምትና ዝያዳ ጎሊሑ ክወጽእ ዝተራእየ ግን ድሕሪ’ቲ ኣብ 2006 ኣብ ኬንያ ዝተኻየደን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብውልቅን ብጋንታን ድሙቕ ዓወታት ዝሓፈሱሉን መድረኽ’ዩ። ኣብዚ ዞባዊ ኣህጉራዊ ውድድር’ዚ ብከም ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ በረኸት የማነ፡ ፍረቓልሲ ደበሳይ፡ ዳዊት ሃይለን ካልኦት ተቐዳደምትን ዝተወከለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብውልቅን ብጋንታን ነቲ ናይ ጊዜን ጽርግያን ውድድራት ብፍጹም ዕብላለ ዛዚማ’ያ ናብ ሃገራ ብኽብሪ ተመሊሳ።

ካብዚ እዋን’ዚ ንደሓር ድማ ኤርትራ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊን ዓለማውን መድረኻት ቅድድም ብሽክለታ (እንተላይ ኣብቲ ፕሮፌሽናል ጋንታታት ዝሳተፋኦ ዓለማዊ ውድድራት) ከተመዝግቦ ብዝጸንሐትን ዘላን ብሉጽ ውጽኢታት ስዒቡ ብውድድራት ደቂተባዕትዮ ይኹን ደቀንስትዮ (ኣብ ዝተፈላለየ ክሊታት ዕድመ) ኣብ ተርታ ቀዳሞት ብሉጻት ሃገራት ኣፍሪቃ ክትስራዕ ኣኽኢሉዋ ይርከብ። ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 2010 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት ሻምፕዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ ንተኸታታሊ ሸውዓት ዓመታት ሻምፕዮን ብምዃን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ርእሲ ምስናዳ ኣብ ውድድራት መላእ ኣፍሪቃው’ን ክትደምቕ ክኢላ’ያ።
ነዚ ብሉጽ ውጽኢታት ስዒቡ ድማ ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ለንደን 2012 ከምኡ’ውን ሪዮ-ዲ-ጃኔሮ 2016 ኣብ ዓለማዊ ውድድር ኦሊምፒክ ብተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተወኪላ ብምቕራብ ንቑጽሪ ተሳታፍነት ዓውዲታት ስፖርት ኤርትራ ከተበርኾ ምኽኣላ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ቅድድም ብሽክለታ (Grand Tours) ዝወዳደራ ኤውሮጳውያን ጋንታታት ከይተረፋ ብደረጃ ፕሮፌሽናል ኣብ ምውድዳር ይርከቡ።